Tigrinya

መጋቢት 1፣ -2022

ከባቢ ገማግም ሬይነር መንበሪ ገዛውቲ:

ኤምቲ. ኣባይቲ ቤከር (Mt. Baker Housing) ብኣንፈት ደቡብ ምብራቕ ገማግም ሬይነር ከባቢ ባቡር ጣቢያ ፍሉይ ቦታ 9236 Renton Ave S ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ዝርከብ ኣስታት 3.3 ኤክርስ መሬት ተቐቢሉ ኣብ ከይዲ ዳግመ ህንጸት ይርከብ። እዚዕድጊት ቅድሚ ሕዚ ብቦርድ ጥዕና ሲያትል- ኢንድያ ዝውነን ዝነበረ ታንደርበርድ ዝበሃል ማእኸል መሐብሐቢ ሕሙማት ተጠቀምቲ ጎዳእቲ ነገራት ዘጠቓልል እዩ። ትልምና ገና ኣብ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ እንደሃለወ ነዚ ፕሮጀክት “Thunderbird/ታንደርበርድ” ዝብል መፀውዒ ስም ሂብናዮ ኣለና።

እዚ ፕሮጀክቲ’ዚ ብዙሓት ዉሕድ ደብሪ ዘለዎም ንእስ ንእስ ዝበሉ ህንጻታት ዝርከብዎም ሕድሕዶም መረባ ዘለዎም ኣስታት233 መንበሪ ገዛውቲ ዘጠቓለለ እዩ። ናይዚ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ 60% ማእከላይ ኣታዊ ናይቲከባቢ ማለት’ውን በቲ ናይ ሕጂ ዋጋ $71,640 ኣታዊ ንዘለዎም ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ዘለውዎ ተቐማጦ ስያትል ከገልግል እዩ።እዋናዊ ትልሚ ናይዚ ፕሮጀክት ስቱድዮታት፣ በዓል ሓደ መደቀሲ፣ ባዓል ክልተ፣ ባዓል 3 ከምኡ’ውን በዓል ኣርባዕተ መደቀሲዝርከብዎ፣ ኣስታት 50% ናይቶም ገዛውቲ ናይ ስድራቤት-ዓቐን ዘለዎም እዮም። እቲ ፕሮጀክት ንንግዳዊ ትካል ዝኸውን ቦታኣየማለአን፣ ይኹንእምበር ነበርቲ ንዝተፈላለዩ ዋኒናት ዝጥቀምሉ ናይ ሓባር ክፍሊ፣ ገፊሕን ምዕሩግን ፓርኪንግ/መዕረፊመካይን ከምኡ’ውን ናይ ደገ መጻወቲ ቦታ ንነበርቲ ዘማለአ’ዩ።

ዕድጊት ናይዚ ፕሮጀክት ብኽፋል ብናይ ዕድጊት ድጋፍ ገንዘብከተማ ስያትል ቢሮ ኣባይቲ ዝምወል እዩ ። ኤምቲ. ኣባይቲ ቤከር ኣብደቡባዊ ምብራቕ ሲያትል ብተመጣጣኒ ዋጋ መንበሪ ገዛ ብምቕራብን ምቹው ከባብያዊ ኩነታት መነባብሮ ኣብ ምርግጋፅንይነጥፍ። ተሳትፎን ርኢቶን ጎራብቲ ነድንቕን ነበረታትዕን። ኤምቲ. ቤከር ኣባይቲ ብተመጣጣኒ ዋጋ ካልእ ተወሰኽቲ ኣባይቲንነበርቲ ደቡባዊ ምብራቕ ሲያትል ክነቕርብ ብምኽኣልና ዝተሰመዐና ኣመስጋኒ እዩ።

ብዛዕባ’ዚ ተብሃጋይ ፕሮጀክት ዝኾነ ይኹን ሕቶ እንተደኣ ሃልይኩም፣ ብኽብረትኩም ን ጄቨን ዋሽንግተን/ Alisha Dall’Osto ብ[email protected] ወይ ከኣ 206-712-1519 ርኸቡ። ብዕለት July, 21 2022 @7pm-8pm ማሕበረሰባዊ ቪድዮ ኮንፈረንስክዳሎ’ዩ። ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዝዳሎ ቪድዮ ኮንፈረንስ ወይ ከዓ ናይ ቪድዮ ጉባኤ ክትርከቡ ተዘይክኢልኩምነዛ ትስዕብ ኣድራሻ ብምጥዋቕ (ሊን https://bit.ly/3Otd26n) ስለ ናይ ምዕባለ ፕሮጀክትና መሕትት ምታን ኣብዚ ብሮጀክት ዘለኩም እታወታትን ርኢቶታትኩምን ክንቅበል፡ ከምእውን ዝኾነ ይኹን ዝእከብሓበረታ ወግዓዊ ክኸውን ከምዝኽእል ድማብኽብረትኩም ዘክሩ። ኣብዚ ዋኒን ኣድሂቡ ብዛዕባ ኩሎም ምዕባለታትን ኣብ ቀጻሊ እዋን ዝግበር ማሕበራዊ ጉባኤ መዓስንኣበይን ከምዝካየድ ዝገልፅ ክተንብቡን ክትረኽቡን ትኽእሉ ኢኹም።https://mtbakerhousing.org/comment_forms/newhousing/

ምስ ሰላምታ፣

ጄቨን ዋሽንግተን

ዋና ዳይሬክተር ሽርክናን ተሳትፎ ማሕበረሰብን

ኤምቲ. ህንጸት ኣባይቲ ቤከር

 

**Community Meeting Date & Time: Jul 21, 2022 07:00 PM Pacific Time (US and Canada)**

Development: “9236 Renton Ave S, Seattle, WA” COMMUNITY MEETING

Join Zoom Meeting

https://us02web.zoom.us/j/85180175786?pwd=uO7L2UzRSoRaNesrThMcmgowMIQQ41.1

Meeting ID: 851 8017 5786

Passcode: 851816

Tigrinya Form

ዝቐርብ ርእይቶታት ከም ህዝባዊ ርእይቶ ተቖጺሩ ንህዝቢ ክግለጽ እዩ።


Languages